Fana: At a Speed of Life!

ሰናይ ምስሊ ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉ ተግባራት ኣብ ዓውድታት ባህልን ኪነ ጥበብን እናተሰርሑ ይርከቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰናይ ምስሊ ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ናይ ምቕራብ ተግባራት ተጠናኺሩ ቀፂሉ እዩ ኢሎም ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን ነብዩ ባዩ፡፡

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ፅቡቕ ምስሊ ኢትዮጵያ ዝሃንፁ ስነ-ጥበባዊ ስራሕቲ ምቕራብ ስራሕቲ እናተጠናኸረ ከምዝቐፀለ ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣይተ ነብዩ ባየ ገሊፆም።

ዴኤታ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፤ ሰናይ ምስሊ ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉ ተግባራት ኣብ ዓውድታት ባህልን ኪነ ጥበብን እናተሰርሑ ይርከቡ፡፡

ኢትዮጵያ ብዝሃ ባህልን ስራሕቲ ጥበብን ኣብ ምፍላጥ ምስሊ ንምህናፅ ተግባራት ምክያዶም ሓቢሮም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ብፍላይ ኣብ ሰርከስን ዓውዲ ስእሊን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ምስሊ ሃገር ጎሊሁ ንክረኣይ ዘኽእል ስራሕቲ ምስርሖም ከም ኣብነት ኣልዒሎም፡፡

ሰናይ ምስሊ ሃገር ናይ ምህናፅ ስራሕ ኣብ ቀፀሊ ተጠናኺሩ ክቕፅል ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጱያ ባህላ ዘፋልጥ ጉጅለ ባህሊ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ከምዝጉዓዝ ተዛሪቦም፡፡

ጉጅለ ባህሊ ሙዚቃ ብሄር ብሄረሰባት፣ ሳዕስዒትን ባህላዊ ኣከዳድና ናይ ዝተፈላለያ ኣፍሪካ ሃገራት፣ ኣውሮፓን ኤዥያን ብምጉዓዝ ዓብዩ ዲፕማሲ ባህሊ ናይ ምርኣይ ስራሕ ከምዝስራሕ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

Website www.fanamc.com/tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.