ሲዳማ ቡናን መቻልን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ በል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሲዳማ ቡናን መቻልን ተራኺበን 2 ን 2 ማዕረ ተፈለሊየን፡፡
ኣብቲ ፀወታ መስፍን ታፈሰን በዛብህ መለዮን ንሲዳማ ቡና ከምኡ እውን ፊሊሞን ገብረፃድቕን ኣቤል ነጋሽን ንመቻል ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ መቻል ሓደ ደረጃ ብምምሕያሽ ብ40 ነጥቢ ኣብ 5ይ ደረጃ እንትትቅመጥ፥ 37 ነጥቢ ክትእክብ ዝኸኣለት ሲዳማ ቡና ኣብ ዝነበረቲ 9ይ ደረጃ ክትፅንሕ ተገዲዳ፡፡
ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ሃዋሳ ከተማ ንድሬዳዋ ከተማ 1 ን 0 ስዒራ፡፡