Fana: At a Speed of Life!

ስሑል ሽረ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወሪዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምስ ጋንታ  ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተራኸበት ጋንታ ስሑል ሽረ 1 ን 0 ስለዝተሰዓረት ካብ ውድድር እቲ ሊግ ምውራዳ ኣረጋጊፃ፡፡

ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ፍፁም ጥላሁን ድሕሪ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡

ነዚ ስዒቡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድሕሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ስዕረት ናብ ዓወት ተመሊሳ፡፡

ጋንታ ስሑል ሽረ ፀወታታት እቲ ሊግ እንተዘይተዛዘሙ  ናብ ላዕለዋይ ሊግ ዝወረደት ካልአይቲ ጋንታ ኮይና፡፡

ቅድም ክብል ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወሪዳ ኢያ፡፡

መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12 ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ምስ ድሬደዋ ከተማ ክራኸባ ኢየን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.