Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብምፍራሙ ዝጥዓሱ ሓድሓደ ኣካላት ጎንፂ ንኽፋጠር ድልየት ኣለዎም- ዋና ተደራደርቲ ፕሪቶሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምፍራሙን ህይወት ሰብ ብምትራፉ ዝተጠዓሱ ሓድሓደ ኣካላት ሕዚ እውን ጎንፂ ንኽፍጠር ድልየት ከምዘለዎም ዋና ተደራደርቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዘተ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዋና ተደራደርቲ ዝነበሩ ዳይሬክተር ግልጋሎት መርበብ ሓበሬታን ብሄራዊ ደሕንነትን ጀነራል ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ጌታቸው ረዳን ምስ ግዜኢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት እዩ እዚ ዝበሉ፡፡

ኣብ ፃንሒቶም÷ ጎንፂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጎንፂ ድሕሪ ምፍጣሩ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘተ ሰላም እናተካየዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ስምምዕነት ከይበፅሕ ከምኡውን ጎንፂን ምክፍፋልን ንክቕፅል ዝደልይ ሕዲት ነበር ጉጅለ ህወሓት ነይሮም ኢሎም፡፡

ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዚ ጉጅለ ናይ ባዕሉ ስልጣንን ረብሓ ሃፍትን ካብ ምኽዕባት ሓሊፉ ካሊእ ዕላማ ከምዘይብሉ ብምግላፅ ህዝቢ ትግራይ ዘይውክል ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ጎንፂ ንሕና ኢትዮጵያ ትጥፋእ እናበልና ኣብ ዝበርናሉ እዋን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ሓዊሱ ኢትዮጵያዊነት ይስበኽ ነይሩ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያዊነቱ ኣፅንዑ ዝነበረ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ንዘበናት ኢትዮጵያ ዝፀልኡ ሓይሊታት ክነዝሕ ብዝነበረ ያታ ከይተታለለ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ፅኑዕ ቅዋም ብተግባር ምርኣዩ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ እዋን ጎንፂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፃላእ ብምግባር ዝተነዝሑ ዝተዛብዑ ያታታት ሕማቕ ስሚዒት ምፍጣሮም ብምሕባር÷ እቲ ህዝቢ ፀገም እንትፍጠር ዝመፅእ ናብ ኣሰመራ ዘይኮነስ ናብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ኢሎም፡፡

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብግዲኦም÷ ሓድሓደ ኣካላት ኩራ ሕዲት ጉጅለኦም ናይ ምንፃል ያታ ብምቅሉዕ ንምርኣይ ይፅዕሩ እዮም ኢሎም፡፡

ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ጎንፂ ብምንዋሕ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ክተዓናቐፍ ብተደጋጋሚ ፈተነ ከምዝገብሩ ብምግላፅ÷ ባእሲ እንተሃልዩ እውን ምስ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ምስ ምምሕዳር ክኸውን ነይርዎ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ያታ ምንፃል ዝሰብኹ ኣካላት ከምዘይደናገር ከምዘይኽእል ብምሕባር÷ ኣብ ኢትዮጵያዊነት ማዕቐፍ ውሽጢ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ብሓባር ናይ ምልማዕ ድልየት ኣለዎ ኢሎም፡፡

ተደራደርቲ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ብምፍራሙ ህይወት ሰባት ብምትራፉ ዝጥዓሱ ሓድሓደ ኣካላት ሕዚ እውን ጎንፂ ክፍጠር ድልየት ኣለዎም ኢሎም፡፡

ከም ኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተመዛበልቲ ናብ መንበሪ ኣባይቶም ንክምለሱ መንግስቲ ፌዴራል ዝጀመሮም ከይዲታት እናተዓናቐፉ ምዃኖም ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕነት ሰለም ፕሪቶሪያ ኣብቲ ክልል ብምፍፃም ብዙሓት ተግባራ ምስርሖም ብምሕባር ተመዛበልቲ ናይ ምምላስ ስራሕ ተጀሚሩ ነይሩ ኢሎም፡፡

እዚ ሓይሊ ተመዛበልቲ ምምላስን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ስርሑ ብግቡእ ምስራሕ ረብሕኡ ስለዘትርፈሉ ሕዚ እውን ፀገም እናፈጠረ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.