ስራሕቲ ምምሕያሽ ፅርየት ቡን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፅርየት ቡን ንምምሕያሽ ክልላት ሓዊሱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውህሃድ እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ፅርየት ቡን ንምምሕያሽ ምስ ተዋሳእትን መዳርግቲ ኣካላትን መድረኽ ምንቅስቓስ እናካየደ ምዃኑ ምክትል ዋና ዳይሬክተርን ሓላፊ ዘፈር ልምዓትን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ታጋይ ኑሩ ተዛሪቦም፡፡
ፓኬጅ ምህርቲ ቡን ተመሓይሹ ንኩሎም ተዋሳእትን መዳርግቲ ኣካላትን ግንዛበ ምፍጣሩ ብምሕባር፤ ናይ 10 ዓመት ስትራቴጂን ፍኖተ-ካርታን ተዳልዩ ንመዳርግቲ ኣካላት ምቕራቡ ገሊፆም፡፡
ኣብ ፅርየት ትኹረት ተዋሂቡ ብምስራሕ ሓደሽቲ ፍርያት ብዝሓሸ ፅሬት ናብ ዕዳጋ ምእታው ክኢሎም ኢሎም።
ምስ ፅርየት ተተሓሒዙ 1ሺህ 506 ዝተሓፀበ ቡና ምድላው ከምኡ እውን 1 ሺሕን10 ደረቕ ቡና መዳለዊ ኢንዳስትሪ ምህላዎም ንፋና ዲጂታል ኣረዲኦም፡፡
ብዮሐንስ ደርበው