ስራሕቲ ምዝማን ኩለመዳያዊ ትካላት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን ፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ስራሕቲ ምዝማን ተጠናኺ ኩለመዳያዊ ትካላት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡፡
ዝተማልአ ኩለመዳያውን ግልጋሎት ምሃብ ዝኽእል ማእኸል ምሕዳስን ቆሬ ሜንተናንስን ተመሪቑ።
ኣብቲ እዋን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ስራቂት ምክልኻል ሃገር ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዪ ኢሎም።
ልዕሊ 8 ሽሕ ሄክታር ዝስፍሓቱ ማእኸል ምሕዳስን ቆሬ ሜንተናንስን 12 ወርክሾፕ፣ ምምሕዳራዊ ህንፃ፣ መዐደሊ ነዳዲን ሓምለዋይ ቦታታትን ዘጠቓለለ እዩ።
እቲ ህንፀት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝተደናጐየን ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ተገይሩሉ ንመከላኸልን ንኢትዮጵያን ብዝምጥን መልክዑ ተሃኒፁ ኢሎም።
ኣብ ጃንሜዳን ሜክሲኮን ብዝተበታተነ መልክዑ ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ናብ ሓደ ማእኸል ዘምፅአ ማእኸል ምሕዳስን ቆሬ ሜንተናንስን ፅርየት ግልጋሎት ዘረጋገፀ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!