ስርሑ ዝዛረበሉ ኮከብ ኢንጎሎ ካንቴ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንሱ ብዛዕባ ስርሑ ምንም ምዝራብ እንተየድለዮ ስርሑ ዝምስክረሉ ኮኸብ ኢዩ ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ማእኸል ኢንጎሎ ካንቴ፡፡
ናብ ፈረንሳይ ካብ ዝተሰደዱ ማላዊያን ወለዱ ኣብ ፓሪስ ዝተወለደ ኢንጎሎ ካንቴ፤ ብባህሪኡ ሓፋር ይኹን እምበር ኣብ ሜዳ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ግን ብዝበለፀ ጎሊሁ ዝረአ ጀግንነቱን ሰዓራይነቱን ኢዩ፡፡
ኢንጎሎ ካንቴ ኣብ ሜዳ ብዘለዎ ጥንካረን ኣፈላላይ ፈጣራይነትን ዝፍለጥ እንትኸውን÷ ካብ ኩሉ እዋን ተፃወትቲ ክፍሊ ምክፍፋል ሓደ ተገይሩ ይፅራሕ፡፡
ፈረንሳዊ ኮኸብ ማእኸል ሜዳ ንዓወት ጋንትኡ ዝዋደቕን ስርሑ ብሱቕታ ዝውግንን በዓል ፍሉይ ተውህቦ ኢዩ፡፡
ኢንጎሎ ካንቴ ምስ ተፃወትቲ ተፃረርቲ ጋንታታት ይኹን ምስ ደቂ ጋንትኡ ኣብ ጎንፂ ክኣቱ ተራኢዩ ኣይፈልጥን ብትግሃት ዝፍፅም ዘደንቕ ኮኸብ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ኣርኢዩ ኢዩ፡፡
ኢንጎሎ ካንቴ ብዛዕባ ስርሑ ምንም ምዝራብ እንተየድለዮ ስርሑ ባዕሉ ኣፍ ኣውፂኡ ዝዛረበሉ ኮኸብ ተፃዋቲ ከምዝኾነ ይምስከረሉ፡፡
ሌስተር ሲቲ ኣብ 2015/16 ዓመተ ውድድር ሃንደበት ፅዋዕ እቲ ሊግ እንትትዕወት ኢንጎሎ ካንቴ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ብኻሊእ ዝትካእ ኣይነበረን፡፡
ሌስተር ሲቲ ሻምፒዮን እቲ ሊግ እንትትከውን ብዘርአዮ ዘደንቕ ምንቅስቓስ ብእዋኑ ብዙ ምስጋናን ናእዳን ከምዘትረፈ ኣይርሰሳዕን፡፡
ሌስተር ሻምፒዮን ምስኮነት ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብ32 ሚሊየን ፓውንድ ናብ ቼልሲ ዝተፀምበረ ካንቴ÷ ዳግም ክብሪ እቲ ሊግ ምስ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ክዕወት ክኢሉ ኢዩ፡፡
ካንቴ ኣብ ቼልሲ ዝነበሮ ፃንሒት ፅዋዓት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፣ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓን ፅዋዕ ፊፋ ጋንታታት ዓለምን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፅዋዓት ክዕወት ክኢሉ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ