Fana: At a Speed of Life!

ስርቂ ስብራት ከምዝኾነ ወሲድና ኣብ ሰለስተ ምዕራፍ መቒልና ንምክልኻል ንሰርሕ ኣለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ልዑል ጉድኣት ዘብፅሕ ሰርቂ ስብራት ከምዝኾነ ወሲድና ኣብ ሰለስተ ምዕራፍ መቒልና ንምክልኻል ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘካየድዎ በዓል ኣርባዕተ ክፋል ቃለ መሕትት ናይ መወዳእታ ክፋል፥ ናይ ሸለልተኝነት ስርቂ ክብሪ/እሴት፣ ሞራልን እምነትን ዝሸርሸረ፤ ኣብ ፃዕሪ ዘላ ሃገር ዕንቅፋትን ስብራትን ዝኾነ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ልዑል ጉድኣት ዘብፅሕ ስርቂ ሓደ ስብራት ከምዝኾነ ወሲድና ኣብ ሰለስተ ምዕራፍ መቒልና ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፥ መንግስታዊ ወይ ትካላዊ ስርቂ ደው ምባል ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ስርቂ የለን ኢሎም።

መንግስታዊ ስርቂ ማለት ብብርኪ ውልቀ ሰብ ሰራቒ በዓል መዚ የለን ማለት ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

ኣብ መበል ካልኣይ ምዕራፍ ብከይዲ ግዘ ልዑል ጉድኣት ዘስዕብን ህዝቢ ዘምርርን ኣናእሽቱ ግዕዝይናን ስርቂን ምቕናስ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነዚ ንምፍታሕ ቀንዲ ኣማራፂ ሰርቂ ንከይህሉ ዝገብር ስርዓት ምዝርጋሕ ከምዝኾነ ገሊፆም፤ ነዚ ሓደ መርኣዪ ድማ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ማእኸል ካብ ፈለማ ክሳብ መወዳእታ ንድርድርን ስርቂን ዘይጥዕም ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ከምዚ ዓይነት ስርዓት ብምዝርጋሕ ስርቂ ምቕናስ ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

ከምኡውን ሰርቂ ዝፅየፍ ባህሊ ምህናፅ ሳልሳይ ምዕራፍ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ሰፊሕ ግዘ ዝወሰድን ውፅኢት ያታ እናማዕበለ እንትኸይድ ዝመፅእ ጉዳይ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ስርቂ ብያታ እናሃነፅና እንትነጥፍኦ ንምዕባለን ዕብየትን ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝጠቅም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.