ስርዓተ ቀብሪ ላጲሶ ጌ’ዴሌቦ (ፕ/ር) ተፈፂሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓተ ቀብሪ ላጲሶ ጌ’ዴሌቦ (ፕ/ር) ኣብ መካነ መቓብር ጴጥሮስ ወጳውሎስ ተፈፂሙ።
ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ 6 ኪሎ ካምፓስ ምስተኻየደ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ስድራ ላጲሶ ጌ’ዴሌቦ (ፕ/ር)ን፣ ዘመድ ኣዝማድን ኣብ ዝተረኸቡሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተፈፂሙ።
ተመራማሪ ታሪኽ ላጲሶ ጌ’ዴሌቦ (ፕ/ር) ብዝሓደሮም ሕማም ሕክምናኦም እናተኻተሉ ድሕሪ ምፅናሕ 30 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ይፍለጥ፡፡
ላጲሶ (ፕ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ መፅናዕቲን ምርምርን ታሪኽ ብምክያድ ዝተፈላለዩ ናይ ታሪኽ መፃሕፃ ንኣንበብቲ ኣበርኪቶም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!