ስርዓተ ጥምቀት እንትነኽበር ናይ ጥፍኣት መፍትሒ ይቕሬታ፣ ናይ ባእሲ መድሓኒት ዕርቀ ሰላም ከምዝኾነ እናሓሰብና ክኸውን ይግባእ- ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል ጥምቀት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጥምቀት ብክርስቶስ ናይ ምቕላዕ፣ ዕርቀ ሰላምን ምውላድን ምልክት ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ናይ ቀደም ዘበን ኣዳምን ሄዋንን ብሰንኪ ዝፈፀምዎ ሓጥያት ወዲ ሰብ ምስ ኣምላኹ ተቐያዪሙ ዘበናት ሓሊፉ ኢዩ ብምባል፥ ይኹን እንበር ሰብ ብሓጥያቱ ቁልዕነቱ እንተሰኣነ እውን ክሳብ መወዳእታ ጠፊኡ ኣይተረፈን፤ ኣብኡ ዘቐየመ ስሕተት እንተሰርሐ እውን ክሳብ መወዳእታ ተረጊሙ ኣይተረፈን ክብሉ ገሊፆም።
ስኢኑዎ ዝነበረ ናይ ቁልዕነት ፀጋ ብክርስቶስ ዳግም ምቕባሉ እውን ኣብሪሆም።
ክርስቶስ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ዝተረኸበ ንዝረስሐ ወዲ ሰብ መገዲ ዕርቀ ሰላም ንምዃን እንበር ንሱ ሓጥያት ዝለዘለዎ ከምዘይኮነ ገሊፆም።
ስርዓተ ጥምቀት እንትነኽበር ናይ ጥፍኣት መፍትሒ ይቕሬታ፣ ናይ ባእሲ መድሓኒት ዕርቀ ሰላም ከምዝኾነ እናሓሰብና ክኸውን ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ባእሲ ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒትር፥ ኣብ መንጎ ኣቦን ወዲን፣ ፈጣሪን ፍጡርን፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ባእሲ ከጋጥም ከምዝኽእል ገሊፆም።
ይኹን እንበር ይቕሬታን ዕርቀ ሰላምን ዘይተርፍ ተፈጥሮኣዊ ኩነታት ብምዃኑ፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ወዲ ሰብን ዝተፈጠረ ባእሲ ብክርስቶስ ፍፃመ ከምዝረኸበ ከም ሃገር ዘለዉና ዘይምርድዳኣት ኣብ ጠረጴዛ ክንፈትሖም፣ ናይ ዘበናት ዕዳ ኣፈላላይ ፍፃመ ክረኽቡ ኣብ ጫፍ ከምዝበፅሑ ኣገንዚቦም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ሰፊሕ ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ዝተሳተፍሉ፣ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈን ናይ ኣፈላላይ ኣጀንዳታት ዝኣከበን ሰፊሕ መድረኻት ምድላዎም ገሊፆም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ አንቋዕ ኣብፀሐኩም፥ ሎሚ ክብሪታት፣ ሃፍቲታት፣ ዓቕሚታት፣ ቅልፅማት፣ ፅባቐታት፣ ብራኸታት ኢትዮጵያ ይቕልዑ/ይረኣዩ ስለዘለዉ ኣብ’ዚ በዓል ብምዃን ጉዕዞ ምቕላዕ ኢትዮጵያ ንክንምርምር እእንግድ ኢሎም።
ለውጢ ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መሰረት እንትነንብር ፀኒሕና፤ ብዙሕ ስራሕቲ ሰሪሕናን ብድሆታት ሓሊፍናን ሐዚ ናይ ኢትዮጵያ ምግላፅ/መርኣይ ዘበን መፂኡ ኣሎ ኢሎም።
ዓቕሚ ግብርናኣ ተቐሊጡ ህዝባ ክምገብ ኢዩ፤ ናይ መኣድን ዓቕማ ተቐሊጡ ምዕባለኣ ክሳለጥ ኢዩ፤ ናይ ቱሪዝም ዓቕማ ተቐሊዑ ዓለም ዘደምም ኢዩ፤ ዓቕሚ ቴክኖሎጂኣ ተቐሊጡ ልምዓታ ክቀላጠፍ ኢዩ፤ ዓቕሚ ዲፕሎማሲኣ ተቐሊዑ ፅዕንቶ ፈጣሪነታ ክጥንክር ኢዩ፤ ዓቕሚ ኣፍራይነታ ተቐሊጡ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክትረባረብ ኢያ እውን ክብሉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ካብ ቤተልሔም ናብ ዮርዳኖስ፤ ካብ ዮርዳኖስ ናብ ቆሮንጦስ – ካብ ቆሮንጦስ ናብ ደብረ ታቦር – ካብ ደብረ ታቦር ናብ ቀራንዮ – ካብ ቀራንዮ ናብ ደብረ ዘይት እናበለት ክትቕፅል ኢያ ብምባል፥ ድሕረ ሐዚ እናበረኸት ክትከይድ እንበር ናብ እርጋን ኣይትምለስን ክብሉ ኣገንዚቦም።
እዚ ዘበን ብዘይጥርጥር ናይ ኢትዮጵያ ዘበን ኢዩ እውን ኢሎም።
እምነትና፣ ስርዓትና፣ ባህልና፣ ቋንቋና፣ ዜማና ብሓፈሻ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ኣብ ኣደባባይ ንዝግለፁ በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ እንቋዕ ኣብፀሐኩም ክብሉ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።