ስርዓታት ሓለዋ ፍሪያት መልክዓ ምድሪ ዘመላኸት ንምትግባር ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓታት ሓለዋ ፍሪያት መልክዓ ምድሪ ዘመላኸት ንምትግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሉ በዓል መዚ ኣእሙራዊ ንብረት ኢትዮጵያ።
ኣፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኤሊያስ መሃመድ፥ እቲ ስርዓት ንፍትሓዊ ውድድር ንግዲ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም።
ፅርየቶምን ተደላይነት ዕዳጋን ካብ ዝፈርየሉ ከባቢ ዝዛመዱ ፍሪያታትን ኣገልግሎትን ከም ኣእምሯዊ ንብረት ምሕላው እውን ዘኽእል ኢዩ።
ከም ቡና፣ ጣፍ፣ ጠስሚን ወዘተ ኣብ ዝርከብሉ ቦታ መፍለዪ ተዋሂቡዎም ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንክቐርቡ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ብመላኩ ገድፍ