Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ቁፅፅር መረዳእታ ኮንስትራክሽን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ገለፅነትን ተሓታትነትን ንምንጋስ ዘኽእል ስርዓት ቁፅፅር ሓበሬታ ኮንስትራክሽን ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ብምግባር ናብ ተግባር ዝኣተወ ሃገራዊ ኢኒሼቲቭ ትራንስፎርሜሽን ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን መሰረት ብምግባር ኢዩ እቲ ስርዓት ዝማዕበለ።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ፥ እቲ ስርዓት ኣብቲ ዓውዲ እንህቦ ኣገልግሎት ብፅርየት ንምሃብን ስራሕቲ ቁፅፅር ንምዝማንን ፍሉይ ግደ ዝፃወት ኢዩ ኢለን።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ መስፍን ነገዎ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ድሕንነቱ ዝሓለወ ስርዓት ልውውጥ ንክህሉ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኣብ ጂዲፒ ዘለዎ ክሳብ 20 ሚኢታዊ ዝበፅሐ ኣበርክቶ ናብ 24 ሚኢታዊ ክብ ምባል ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.