Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ክፍሊት ግብሪ ብምዝማን ቁፅሪ ለያቡ ምንካይ ተኻኢሉ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓት ክፍሊት ግብሪ ብምዝማን ቁፅሪ ለያቡ ምንካይ ተኻኢሉ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፡፡

7ይ ስነ ስርዓት ኣፍልጦን ሽልማትን እሙናት ከፈልቲ ግብሪ ተኻይዱ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ክፍሊት ግብሪ ዘይምዝማኑን ኣብ ኣከፋፍላ ግብሪ ዝረአ ቢሮክራሲን ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ቅርታ ይለዓል ከምዝነበረ ኣልዒሎም፡፡

ቅርታ ከፈልቲ ግብሪ ብምቕባል መንግስቲ ብዝወገኖም ተግባራት ሃገር በቆል ብዝኾኑ ፈጠራታት ብምሕጋዝ ስርዓት ከፈልቲ ግብሪ ምዝማን ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ኣብ ግብሪ ዘጋጥሙ ፀገማት ቢሮክራሲ ምፍታሕን መጠን ምጭብርባር ግብሪ ምንካይ ተኻኢሉ ኢሎም፡፡

መንግስቲ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ቃል ኣቲዩ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር÷ ብዝተኣከበ ግብሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልል ከተማታትን ኮሪደር ልምዓትን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ብምህናፅ ዝኣተዎ ቃል ከምዝፈፀመ ኣረጋጊፆም።

መንግስቲ ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሮም ፃዕሪታት ግደ እሙናት ከፈልቲ ልዑል ከምዝኾነ ብምፅራሕ ከፈልቲ ግብሪ ሃገር እናተሃነፀት ትርከብ ኢሎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.