Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ዲጂታል ምዝገባ መራፅቲ ንተኣማንነት መረፃ እጃሙ ልዑል እዩ – ምሁራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መረፅቲን ሕፁያትን ስርዓት ዲጂታል ምዝገባ መራፅቲ ንተኣማንነት መረፃ እጃሙ ልዑል እዩ ኢሎም ምሁራት፡፡
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መረፅቲን ሕፁያትን ስርዓት ዲጂታል ምዝገባ ከይዲ ሓፈሻዊ መረፃ ተግባራዊ እናተገበረ ይርከብ፡፡
መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክባትን ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሙሉጌታ ኣያሌው (ዶ/ር) ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከምዝበልዎ፤ ሓዱሽ ስርዓት ዲጂታል ምዝገባ ኣብ ተኣማንነት መፃኢ መረፃ ልዑል ግደ ኣለዎ።
እቲ ሓበሬታ ብዘይ ምዝባዕ ክርከብን ትኽክለኛነቱ ክሕሎን ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ግደ ቴክኖሎጂ ኣብ ምችቻው መረፃ ብምርዳእ ኣብ ኣጠቓቕማኡ እኹል ግንዛበ ክፍጠር ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋቸሞ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ሙሉኣለም ሃይለማርያም ብወገኖም፤ ብስርዓት ዲጂታል ምዝገባ ሕፁያትን መረፅቲን ብቦርድ ምርፃ ግዜን ገንዘብን ከምዝቑጥብ የኽእል ኢሎም።
ካብዚ ሓሊፉ ዲሞክራስያዊ መሰላት ብግቡእ ንምጥቃምን ኣተሓሕዛ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ዘኽእል ሃዋህው ከምዝፍጠር ተዛሪቦም፡፡
ብሲፈን መኮንን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.