ስርዓት ፖለቲካ ንምዝማን ኣብ መንጎ ንሕንሕን ምትሕብባርን ሚዛን ምሕላው የድሊ – ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓት ፖለቲካ ንምዝማን ኣብ መንጎ ንሕንሕን ምትሕብባርን ሚዛን ምሕላው የድሊ ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ።
ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲን ፓርቲታት ፖለቲካን ክልል ኣምሓራ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣሳሊጦም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ስርዓት ፖለቲካ ንምዝማን ኣብ መንጎ ንሕንሕን ምትሕብባርን ሚዛን ምሕላው የድሊ ኢሎም።
ጥዕና ዘለዎ ውፅኢታዊ ንሕንሕ ካብ ጥዕና ዘለዎ ምህዳር ፖለቲካ ዝፍልፍል ስለዝኾነ ፓርቲታት ሕገ መንግስቲ ዝሃቦም ማዕቀፍ ብምጥቃም ምንቅስቓስ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።
ጥዕና ዘለዎ ንሕንሕ ንክህሊ ፓርቲታት ፖለቲካ ናይ ባዕሎም ግደ ምውፃእ ንክኽእሉን ባህጊ ህዝቢ መሰረት ዝገበሩ ኣጀንዳታት ሒዞም ንክሰርሑን ከምኡ’ውን ሕግን መትከልን ከኽብሩ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ረእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣረጋ ከበደ ብግደኦም፥ ሓበራዊ ዘተ ፓርቲታት ፖለቲካ ልምምዳት ዴሞክራሲ ሱር ንክሰድድን ጠንካራ ስርዓት ፖለቲካ ንክምዕብልን ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ብደሳለኝ ቢራራ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!