ስትራቴጂያዊ ጉልበት ሃፍቲ ማይ ንኣፍሪካ ዝገለፀት ኢትዮጵያ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሓፍቲ ስራሕ ዓለም ለኸ ትካላትን ሰብ ሞያ እታ ኣህጉርን ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኣተኣናጊዳ ኢያ።
ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ መቐመጢት እቲ ሕብረት ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡ መራሕቲ እታ ኣህጉር ብትኹረት ካብ ሞንጎ ዝዘተዩሎም ጉዳያት ሓደ ጉዳይ ሃፍቲ ማይ ኢዩ።
እቲ ሕብረት ነዚ ዓመት ጉባኤኡ ብዋና ኣጀንዳነት ካብ ዝሓዞም ጉዳያት ሓደ ማይ እንትኸውን፥ እቲ ዓውዲ ንልምዓት እታ ኣጉር ዘለዎ ረብሓ ብምግንዛብ ኣብ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ብምድሃብ ብሰፊሑ ዘቲዩ።
እቲ ጉባኤ ዝተኻየደ ኢትዮጵያ ገንኢ ማይ ኣፍሪካ ምባላ ዝኣክል ካብ ሃፍታ ኣይተጠቐመትን ዝብል ናይ ዓመታት ነስሓ ናብ ተስፋ ዝልውጡ ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት እናወገነት ኣብ ትርከበሉ እዋን ምዃኑ ትርጉሙ ብዙሕ ኢዩ።
እዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዛዚማ ኣብታ ኣህጉር 3ይ ዝኾነ መፈልፈሊ ሓይሊ ማይ ኮይሻ እናሃነፀት ኣብ ትርከበሉ እዋን ኢዩ።
ማይ፤ ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ልምዓት ሓይሊን ኢንዱስትሪን ሓዊሱ ንሕድሕድ ዘፈር ውፅኢታዊነት ቁልፊ እታወት ስለዝኾነ ኣፍሪካ ኣብ ልምዓትን ድሕንነትን ሃፍቲ ማይ ቅድሚት ምሃባ ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት መሰረት ዘንብር ኢዩ።
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማያ ብምጥቃም ኣብ መላእ ሃገር እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ኣዚዩ እናሓገዘ ይርከብ።
ዓበይቲ ግድት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምህናፅ ብሓደ ወገን ኢንዱስትሪታት ንምስፍሕፋሕን ኩነታት ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽን፥ ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊ ንክሌማዊ ለውጢ ዘለዋ ተሓላቕንት ብተግባር እናገለፀት ትርከብ።
እዞም ዝጭበጡ ልምዓታት ሃፍቲ ማይ ስትራቴጂያዊ ጉልበት ሃፍቲ ማይ ብተግባር ብምቕላዕ ኣፍሪካ ብርሑቕ ትምልከቶ ዕቤት ኣቕሪቦም ዘርእዩ ኢዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ማይ ንርእሳ ካብ ትጥቀሞ መሰረታዊ ጠለብ ሓሊፉ ንዞባዊ ምትእስሳር ንምጥቃም ዘለዋ ተግባራዊ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም ኢዮም።
ማይ ካብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምዃን ሓሊፉ መሰረት ልምዓት፣ ሰላምን ምርግጋእ ከምኡ እውን ኢኖቬሽን ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ከተማታት፣ ሕርሻን ስርዓት ጥዕናን ከምኡ እውን ሰላም ናይ ምብያን ዓቕሚ ኣለዎ ምባሎም ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ኢንዱስትሪን ንዜጋታትና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ካብ ምግባርን ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኽነቕርብ ኣኽኢሉና ኢሎም።
ኣብ ኣፍሪካ ሩባታት ንሓበራዊ ረብሓ ምውዓል እንተተኻኢሉ ኣብታ ኣጉር ሰላምን ምርግጋእን ንምፅናዕ የኽእለና ክብሉ እውም ኣገንዚቦም።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!