Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ ስርዓት ዱዓን ምፍናው ኣስከሬንን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒዬም ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኡለማታት፣ ደረሳታት፣ ኡስታዛትን ፈተውቲን ኣዝማድን ተረኺቦም፡፡

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ዝዘለቐ ፃንሒት ኣዲስ ኣበባ፤ ቅዱስ ቁርዓን ልዕሊ 300 ግዘ ብትርጉም ኣምሂሮም።

ኣብ 1967 ዓ.ም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ እንትምስረት ኣባል እቲ ቤት ምኽሪን ኣቦ መንበር ዑለማን ነይሮም፡፡

ካብ መጋቢት 2010 ክሳብ ግንቦት 2014 ዓ.ም ፕሬዚዳን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ላዕለዋይ ሓላዊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ብምዃን ኣገልጊሎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.