ስነ ስርዓት ቀብሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ተፈፂሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ ስርዓት ቀብሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ተፈፂሙ፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኡለማታት፣ ደረሳታት፣ ኡስታዛትን ዘመድ ኣዝማድን ተረኺቦም፡፡
ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ዝዘለቐ ፃንሒት ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 300 ግዘ ቅዱስ ቁርዓን ብትርጉም ኣምሂሮም።
ኣብ 1967 ዓ.ም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ እንትምስረት ኣባል እቲ ቤት ምኽሪን ኣቦ መንበር ዑለማን ነይሮም፡፡
ካብ መጋቢት 2010 ክሳብ ግንቦት 2014 ዓ.ም ድማ ፕሬዚዳንት ላእለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓላዊ ጉባኤ ትካላት ሃይማት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣገልጊሎም፡፡
ብጌታሰው የሽዋስ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!