ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ፅባሕ ኣብ ካቴድራል ቅድስቲ ስላሰ ክፍፀም እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ፅባሕ 13 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡00 ኣብ ካቴድራል መንበረ ፀባኦት ቅድስቲ ስላሰ ክፍፀም እዩ፡፡
ኮሚቴ ፈፃሚ ቀብሪ ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ኣብ ብሄራዊ ትያትር መግለፂ ሂቡ።
ፅባሕ ሰዓት 5፡00 ካብ ሃገራዊ ትያትር መርሃ ግብሪ ስነ ስርዓት ምፍናው ዝካየድ እንትኾን፤ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ካቴድራል መንበረ ፀባኦት ከምዝፍፀም እቲ ኮሚቴ ኣፍሊጡ፡፡
ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ኣብ ሕክምና ክትትል ክግበረሉ ብምፅናሕ ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩ እንትኾን፤ ኣብ ዓውዲ ስነ ጥበብ ኢትዮጵያ ዓብዩ ኣበርክቶ ገይርዎም፡፡
ብሞየኦም ሬድዮ፣ ቴሌቪዥን፣ ፊልምን ጋዜጠኝነትን ብዙሓት ስራሕቲ ንሰማዕቲን ተዓዘብቲ ኣቕሪቦም።
ደራሲ፣ ተርጓሚ፣ ኣፍራዪን ተዋሳኣይን ኮይኖም ዘገልገሉ እቶም ኣርቲስት÷ ኣብ መድረካት ቴኣትር ብህዝቢ ተፈታውነት ዝረኀቡ ስራሕቲ ብምቕራብ ይፍለጡ፡፡
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!