Fana: At a Speed of Life!

ስግኣት ዘንፀላለወ እሳተ ገሞራ ሃዋይ ኪላዌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሰሜን ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝርከብ እሳተ ገሞራ ሃዋይ ኪላዌ ተኸታታሊ ምፍንጃር ምፍጣሩ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢው ስግኣት ከምዘንፀላለወ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ከበድቲ እሳተ ገሞራታት ሓደ ዝኾነ እሳተ ገሞራ ሃዋይ ኪላዌ ትማሊ ብዝፈጠሮ ምፍንጃር ክሳብ 400 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎም ንጣራት እሳተ ገሞራ ናብ ኣየር ምድርባዩ ተገሊፁ፡፡

ካብቲ ፍንጃር ልዑል ሓሙሽቲን ዝመኸኹ ኣኻውሕን (ላቫ) ናብ መሬት ውዳቖም ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ብሄራዊ ፓርክታትን ዋና ዋና መገዲታትን ብግዚያዊነት ተዓፂዮም፡፡

እሳተ ገሞራ ሃዋይ ኪላዌ ንዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዘስዕቦ ምፍንጃር ትኹረት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ቱሪስታትን ይስሕብ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2024 ንደሓር ትማሊ መበል 43 ምፍንጃር ከምጋጠሞ እሳተ ገሞራ ሃዋይ ኪላዌ፤ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ምፍንጃር ስግኣት ከምዝፈጠረ ተገሊፁ።

እቲ ምፍንጃር ልዑል መጠን ዘለዎ ሓሙኽሽቲ፣ ትኪን ጓህሪ ዝሓዘ ዝመኸኸ ከውሒን ኣስዒቡ ክብል ሲቢሲ ኒውስ ፀብፂቡ።

ብሚኪያስ ዘየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.