ሸርፊ ወፃኢ ዘትርፉ 96 ዓይነት ፍርያታት …
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ሸርፊ ወፃኢ ዘትርፉ 96 ዓይነት ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር እናፈረዩ ይርከቡ ኢሉ፡፡
ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣያና ገብሬ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ መንግስቲ ኣታዊ ንምድንፋዕ ሸርፊ ወፃኢ ንምንካይን ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ትኹረት ሂቡ።
በዚ ድማ ብሸርፊ ወፃኢ ተዓዲጎም ናብ ሃገር ክኣትዉ ዝነበሩ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስፍሓት ምፍራይ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ 96 ፍርያታት ተፈልዮም ብዝተፈላለዩ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት እናፈረዩ ይርከቡ ኢሎም።
እቶም ፍርያተ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ኣብ ምትካእ ልዑል ግደ ዝፃወቱ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ውፅኢት እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ክሳብ ሕዚ ብዝተሰርሐ ስራሕ ጭቡጥ ለውጢ ከምዝመፅአን ኣብቲ ዓውዲ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ካልኦት ትካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓሮም።
ብተካልኝ ሃይሉ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!