Fana: At a Speed of Life!

ሻምፒዮና ዓለም ውፅኢት መእተዊ ምዝገባ ግዘ ገደብ ኣብዚ ሰሙን ክገልፅ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ውፅኢት መመዝገቢ ዝውደአሉ ግዘ ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ከምዝኸውን ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ነቲ ውድድር ቅድመ ምድላው ንምግባር ዝረድእ ውፅኢት መእተዊ ዝምዝገብሉ ግዘ ከምዝቆርፅ ፕሬዚዳንት እቲ ፌደሬሽን ኮማንደር ሰለሺ ሰህን ገሊፆም፡፡

ኮማንደር ሰለሺ ምስ ፋና ፕላስ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፤ ኣብቲ ሻምፒዮና ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ኣብ 18 ኣዋርሕ ውሽጢ ብዘመዝገብዎ ዝተመሓየሸ መእተዊ ሰዓት መሰረት ከምዝምረፁ ተዛሪቦም፡፡

መምረፂ ውድድር ኣትሌቲክስ ዓለም 26ን 27ን ሓምለ ወይ ድማ 16ን 17ን ነሓሰ ጥራሕ ክኻየድ ሓዱሽ መምርሒ ምምሕልላፉ ስዒቡ ኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራፅ ክካየድ ዝነበረ ውድድር ምስራዙ ሓቢሮም፡፡

ብዙሓት ውድድራት ዝካየዱ ኣብ ኣውሮፓ ብምዃኑ ኣትሌታት ብቪዛ ፀገም ምኽንያት ዕድል ውድድር ከምዘይረኽቡ ብምግላፅ፤ እቲ ፌደሬሽን ብዘላቒነት ንምፍታሕ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም፡፡

ብወርቅነህ ጋሻሁን

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.