ሻምፒዮን ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣትሌት ጋቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ውድድር ግራንድ ፕሪክስ ከምትሳተፍ ኣፍሊጣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ 200 ሜትሮ ሻምፒዮ ዝኾነት ኣትሌት ጋቢ ቶማስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ውድድር ግራንድ ፕሪክስ ከምትሳተፍ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን እተተኣናግዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓለም ለኸ ውድድር፤ 10 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ውድድር ኣሜሪካዊት ኣትሌት ጋቢ ቶማስ ከምትሳተፍ ተረጋጊፁ፡፡
ጋቢ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ብ200 ሜትሮ ሜዳልያ ወርቂ ዝተዓወተት እንትትከውን÷ ምስ ደቂ ጋንታኣ ድማ ሜዳልያ ወርቂ ንሃገራ ከምዘምፀአት ይዝከር።
እታ ኣትሌት ኣብ ቡዳፔስት ሜዳልያ ብሩር፣ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ቶኪዮ ድማ ሜዳልያ ነሓስ ዝተዓወተት ኣትሌት ምዃና ይፍለጥ፡፡