Fana: At a Speed of Life!

ሽልማት ኖቤል ፊዚክስ ንሰለስተ ሳይንትስታት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሽልማት ኖቤል ፊዚክስ 2025 ንሰለስተ ሳይንትስታት ተዋሂቡ።

ጆን ክላርክ፣ ሚኬል ኤች ዲቮሬትን ጆን ኤም ማርቲንስን እቲ ሽልማት ዝተዓወቱ ሞያተኛታት ኮምፒውተር ምህድስና ኢዮም።

እቲ ሽልማት ንቐፃሊ ትውልዲ ዝምጥን ጠንካራ ኮምፒውተራት ኣብ ከይዲ ምምሃዝ ብመሰረት ዝሰርሕዎ ስራሕ ከምዝተውሃቦም ተገሊፁ።

ኮሚቴ ኖቤል፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሞባይል ሓዊሱ ካሜራን ካልኦትን ቴክኖሎጂታትን ናይቲ ዓውዲ ፅግዕተኛታት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

እቲ ሽልማት ኣብ ኣካዳሚ ሳይንስ ሮያል ስዊድን ዕላዊ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ካምብሪጅ ዩናይትድ ኪንግደም ዝተወለዱ ተዓወቲ እቲ ሽልማት ጆን ክላርክ (ፕ/ር) ናይ ህይወተይ ዝለዓለ ህያብ ኢዩ ኢሎም።

ንሰለስቲኦም ተዓውትትቲ 872 ሺሕ ፓውንድ ሽልማት ገንዘብ ከምዝተበርከተሎም እውን ተሓቢሩ።

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.