Fana: At a Speed of Life!

ሽማግለታት ዓዲ ንሓድነት ኢትዮጵያ ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሽማግለታት ዓዲ ንዘላቒ ህንፀት ስላምን ሓድነት ኢትዮጵያን ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ፡፡
ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ሽምግለታት ዓዲ“ማሕበራዊ ፀጋታትና ንዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ሓድነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይካየድ ኣሎ።
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበረዎ መደረ ኣቦታትና ሃገር ዝሃነፅዎ ጥበብን ሽግራት እንሰግረሉን ሓራዊነት ቀዋሚ ብዝኾነ መገዲ ንምዕባይ ምስ ሽማግለታት ዓዲ ምዝታይ ይግባእ ኢሎም፡፡
ሚኒስቴር ሰላም ልዕሊ 75 ሃገር ለኸ ዝማዕበሉ ክብሪታት ሃገር ንምህናፅን ግደ ሓራዊነትን ንክዋፅኡ ኣብ ምግባር ኣብ ስራሕ ንርከብ ኢሎም፡፡
ኣብቲ መድረክ ዘተ ካብ ኩለን ክልላት ዝመፁ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ፌደራልን ሓዊሱ ተሳቲፎም።
ብደሳለኝ ቢራራ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.