ቀረብ ሕክምና ኦክስጅን ንምምሕያሽ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብብርኪ ሃገር ዘለው ኣፍረይቲ ሕክምና ኦክስጅን ቁፅሪ 85 በፂሑ ኢሉ ሚኒስቴር ጥዕና፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ፍሬህይወት ኣበበ ኣብ ኣወሃህባ ሕክምና ኦክስጅን ብዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና ክልላትን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ዘትዮም።
ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ኣብዚ እዋን፤ እቲ ሚኒስቴር ስርዓት ኦክስጅን ንምጥንኻር ስትራቴጂካዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ምፅንሑ ኣዘካኺረን።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ብብርኪ ሃገር ሰለስተ ጥራሕ ኣፍረይቲ ኦክስጅን ከምዝነበሩን ሎሚ ድማ 85 ከምዝበፅሑን ሓቢረን።
ቀረብ ሕክምና ኦክስጅን ንምምሕያሽ ዘለውና ውሕስና ብግቡእ ንምጥቃም በቢ ብርኩ ዘለው ኣመራርሓታት ትኹረት ክውሃቡ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂበን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!