Fana: At a Speed of Life!

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼኽ ሞሃሙድ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ሶማሊያ  ሓሰን ሼኽ ሞሃሙድ ዘቲዮም።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥  ንሓደ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ዝመፅኡ ፕሬዚዳንት ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ሶማሊያ  ሓሰን ሼኽ ሞሃሙድ ተቐቢለ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብሓባር እናሰራሕዎ ናይ  ዝፀናሑ ዘተታት ክልቲኣዊ ርክባት ብምቕፃል ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩ እውን ኣብሪሆም።

ናይ ሓሳብ ልውውጣትና ሓበራዊ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ንምክያድ ኢዩ ብምባል፥ ብተወሳኺ ንጠንካራ ርክባት፣ ቀጣናዊ ምርግጋዓትን ልምዓትን ዘለና ቁርፀኝነት ዳግም ፅኑዕ ንክኸውን ዝገብር  ነይሩ ክብለየ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.