Fana: At a Speed of Life!

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) በዓል ልደት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) በዓል ልደት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ዘበን ልደት እየሱስ ክርስቶስ እነኽብሮ ዝተነገረ ቃል ተስፋ ምብፅሑ፣ ናይ ለውጢ ብርሃን ምብራህ ምጅማሩ፣ ናይ ምስጋር ዘበን ምቕራቡ እናኣመንና ኢዩ ኢሎም።

ጉዕዞና ብውፃእ ውረድ ዝተመልአ ነይሩ ብምባል፥ ተስፋ ዘቑርፅ መከራታት ኣተኣናጊድና ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ድሕረ ሐዚ እቲ ፈተና ፈፂሙ ኣይርእየናን እንተዘይበልና እውን ተስፋና ዝውለደሉ ኣብ ድሮ እቲ ዕለት በፂሕና ኣለና ኢሎም።

ናይ መከራ እዋን ተፋኒዩ፣ ናይ ብራኸ ዘበን ከምዝመፅአ ብሙሉእ ልቢ ምዝራብ ንኽእል ኢና ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊ ዝረኣየ፣ ንፅባሕ ዘድሕን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ክርስቶስ ኣብ መንጎ ትማሊን ፅባሕን ዘሎ ሎሚ ብምዃን ንክልቲኦም ኣተዓሪቑ ኢዩ ብምባል፥ ስለዝኾነ ናይ ክርስቶስ ምውላድ ብልዑል ክብሪ ነኽብር ኢሎም።

ክርስቶስ እንተዘይውለድ ትንቢት ዝተዛረቡ ነቢያት፣ መስዋእት ዘቕረቡ ካህናት፣ ቃል ኪዳን ዝተቐበሉ ኣበው፣ ተስፋ ዝገበሩ ደቂ ሰባት ኩሎም ስርሖም ታሪክ ጥራሕ ብምዃን ክተርፍ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ነዚ ልዑል ትምህርቲ ነስተውዕሎ ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ትማሊ ክንዲ ዝኾነ ዓብዪ ታሪክ፣ ዓብዪ ቅርስን ክብሪን እንተሃለዎ እውን ሎሚ እንተተበላሽዩና ዋጋ ከምዘይብሉ ምፍላጥ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣብ መልእኽቶም ኣፅንኦት ሂቦም።

ኢትዮጵያ ዓባ ገር ነይራ፤ ናይ ዓበይቲ ስልጣነታት ሃገር ነይራ፤ ናይ ዓበይቲ መንግስታትን ህዝብታትን ሃገር ነይራ፤ ናይ ዓበይቲ ባህሊታትን ዝነኣዱ ቅርስታትን ሃገር ነይራ። ሕቶ ክኸውን ዝኽእል “ሎሚ ኸ” ዝብል ኢዩ ኢሎም።

ሎሚ ብድኽነት፣ ድሕረትን ጥምየትን እንሳቐ እንተኾይንና ታሪክና ኣይተምሃርናሉን ማለት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ናይ ሎሚ ብራኸ ናይ ትማሊ ኩነታት ሓዊሱ ክብ ስለዘብሎ ናይ ሃገርና ዓባይ ምዃን ዝግንዘብ ትውልዲ ሐዚ ተፈጢሩ ከምዘሎ ምግንዛብ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ትማሊና ዋጋን ክብሪን ንክህልዎ እንተደሊና ሎሚ ብፅንዓት ንስራሕ፤ ብዙሕ ግዘና ኣብ ናይ ትማሊ ምዝኽኻር ካብ እነሕልፍ ብናይ ሎሚ ቃልሲን ውፃእ ውረድን ክነሕልፍ ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።

ምኽኒያቱ ሎሚ ዝተመዓራረየን ዝተቓነዐን እንተኾይኑ ብዘይጥርጥር ትማሊና ግቡእ ክብሪ ክረክብ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ ብናይ ሎሚ ስራሕን ቃልስን እንበር ብናይ ሎሚ ትምኒትን ባህጊን ጥራሕ ከምዘይመፅእ ኣገንዚቦም።

ውሱናት ሰባት ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ ንምብልሻው ሎሚ ብክፉኣት ስራሕቲ ጠልቂዮም ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ንሕና ግን ናይ ኢትዮጵያ ፅባሕ ንምቅናዕ እንትንብል ፅባሕ ብዝርእይ ስራሕቲ ተፀሚድና ኣለና ኢሎም።

ፅባሕ ዝርእይ ሎሚ ምዃኑ እንትንፈልጥ ንፅባሕ ሰሪሕና ንበፅሖ እንበር ኮፍ ኢልና ኣይንፅበን ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም ኣብ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.