Fana: At a Speed of Life!

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘቲዮም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ጉጅለ 20 ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘቲና ኢሎም።
እቲ ዘተ ኩለ መዳይ ርክብና ንምጥንኻር፣ ስራሕቲ ክሊማዊ ለውጢ፣ ሰላምን ፀፅታን፣ ዘላቒ ልምዓት ዝበሉ ዓለም ለኸ ቆላሕታና ኣብ እነጠናኽረሉ መገዲ ጠመተ ዝገበረ ነይሩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ጉባኤ ክሊማዊ ለዉጢ ሕቡራት ሃገራት (COP32) ዘተኣናገደት ሃገር ብምዃና ክግበር ብዛዕባ ዝግባእ ደገፍ እውን ተዛቲና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.