Fana: At a Speed of Life!

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን፡፡

እተን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይሮምለን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ካልኣይ ጉባኤ ጣሊያን-ኣፍሪካ ብሓባር ኣብ እነሰናደአሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፣ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጆርጂያ ሜሎኒን ናብ ኢትዮጵያ እንኳዕ ብደሓን መፅኣ እንትብል ልዑል ሓጎስ ይስመዐኒ ኢሎም።

‎እቲ ኣጋጣሚ ዲፕሎማሲያዊ ኣኼባ ጥራሕ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ኣብ ሞንጎ ጣሊያንን ሃገራት ኣፍሪካን ዘሎ ጥንኩር ምሕዝነት ዘርኢ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

እዚ ምሕዝነት ኣብ ምክብባር፤ ሓበራወዊ ሓላፍነትን ዘላቒ ጭቤትን ኣብ ዘለና ሓበራዊ ራኢ ዝተመስረተ ኢዩ ኢሎም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.