ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ንዘኽታማትን ተጠቃዕቲ ስጋ ደዌን ጎብኒየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሆስፒታል ኣለርት ዝነብሩ ዘኽታማትን ተጠቃዕቲ ስጋ ደዌን ጎብኒየን።
ን100 ተጠቃዕቲ ስጋ ደዌ ሕድሕዶም ብር 1000 ሓገዝን ኮቦርታን ህያብ ኣበርኪተን፡፡
ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ፥ ሓዱሽ ዓመት እንትነኽብር ሓጋዚ ዘይብሎም ዝተረስዑ ክፋላት ማሕበረሰብ ብምዝካር ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡
ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዓመተ ሰላም፣ ሓድነት፣ ይቕሬታን ምድግጋፍን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒተን ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።