Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ተምሳሌ መላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ኣብ ዝኾነ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ኣካይዶም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዑደቶም ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም፡፡
ዑደት ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ፤ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮዽያን ህንዲን ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ርክብ ዘሰጋግር ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያን ህንዲ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ኢኮኖሚ፣ ባህሊን ካልኦት ዘፈራትን ዘለወን ርክብ ናይ ነውሕ እዋን ታሪኽ ዘቑፀረ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ይርከቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.