Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣበይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፔይትሮ ሳሊኒ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣበይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዌብልድ ግሩፕ(Webuild Group) ፔይትሮ ሳሊኒ ኣብ ሮም ዘቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ዘተ ፔይትሮ ሳሊኒ ይሳተፈሎም ኣብ ዘሎ ግዙፋት ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ኣፈፃፅመኦም ዝጠመተ  ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዝዛዘም ኩርዓት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምኡውን ኣብ ግድብ ኮይሻ ስሉጥ ኣፈፃፅማ ከምዝተርኣየ ሃገራዊ ሸቶታትና ብምዕዋት ምስ ዌብልድ ግሩፕ ዘለና ምትሕብባር ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ሎሚ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኣብ ከይዲ ምስራሕ ኣብ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ኣፈፃፅመኦም፣ ብቅልጣፈ ብዝተሓገዘ ውፅኢታውነት ምህዞን ዘላቕነተን ማእኸል ስራሕትና ብምግባር ምሓዝ ከምዝግባእ ተዘራሪብና ክብሉ ኣብሪሆም።

እቲ ዘተ፥ ምዕባለ ኢኮኖሚ ብምምራሕን ናይ ነዊሕ እዋን ልምዓት ብምድጋፍን ሃገር ዘሻግሩ ፕሮጀክትታት ኣብ ምፍፃም ዘሎ ሓበራዊ ቁርፀኝነት ዘንፀባረቐ ከምዝነበረ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.