Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ምትሕብባር ኣፍሪካን ካሪቢያንን ንክድልድል ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉመን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምትሕብባር ኣፍሪካን ካሪቢያንን ንክድልድል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትይር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል ካልኣይ ጉባኤ ማሕበረሰብ ኣፍሪካን ካሪቢያንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሽርክናን ኣፍሪካን ካሪቢያንን ምድልዳል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሽርክና ማሕበረሰብ ኣፍሪካን ካሪቢያንን ክልቲኦም ወገናት ዓለም ለኻዊ ብድሆታት ንምብዳህ ብሓባር ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ዓለም ይቕየር ብምህዉ ኣብ ሓደ እዋን ሸለል ዝተብሃሉ ድምፂታት ክስምዑ ግዴታ ዝኾነሉ እዋን ኢና ዘለና ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሓዱሽ ምዕራፍ በበይንኻ እንተይኮነስ ሓደ ብምዃን መዝራብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ምትሕብባር ሃገራት ኣፍሪካን ካሪቢያንን ኣብ ዐድል ዝተደረኸን እዋናዊ ሓቅታት ብምድማቕ ማዕቐፋት ዘምራሕን ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.