Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጣሊያን ዝነበሮም ፃንሒት ዕዉት ነይሩ- ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ስምምዕ ዝተገበረሉ ዕዉት ፃንሒት ከምዝነበረ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ መዘነኦም ጂኦርጂያ ሜሎኒ ዝገበርዎ ዘተ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምቅርራብ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ልዕል ዝበለ ብርኪ ምሽግጋር ዘኽኣለ ከምዝኾነ ኣይተ ተዛሪቦም።

ኣይተ ኣሕመድ ኣብ መብርሂኦም፥ ጣሊያን ንሪፎርምን ምዕባለ ኢኮኖሚን ኢትዮጵያ ከምኡወን ለምዓት ዓውዲ ኢነርጂ ብፋይናነስ እትገብሮ ዘላ ደገፍ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ተዛሪቦም።

ንኣብነት፥ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓማውቲ ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ፣ ልምዓት ከተማን ዓውዲ ኢነርጂን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ዓውዲታት ደገፍ ዝኸውን ልዕሊ 260 ሚሊየን ዩሮ ስምምዕነታት ልምዓት ምኽታሞም ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ብዝተገበረ ዘተ መንግስቲ ጣሊያን ኢትዮጵያ እትገብሮ ንዘላ ሪፎረም ኢኮኖሚ ዝገብሮ ደገፍ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ስምምዕነት ከምዝተገበረ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ብተወሳኺ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጂኦርጂያ ሜሎኒ ሰብን ሃፍቲ ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝፈጠሮ ምቹእ ዕድል ኢንቨስትመንት ንክጥቀሙ ከምዘተባብዓ ኣረጋጊፀን።

ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ መበል 14 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ ብፁእ ወቅዱስ ፖፕ ሊዮ ኣብ ሰላምን ልምዓት ትምህርቲን ምዝታዮም ኣይተ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ክልቲኣዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ብምዝታይ ምትሕብባሮም ኣጠናኺሮም ንምቕፃል መስምዕምዖም ኣረዲኦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዊቢዩልድ ግሩፕ ፔይትሮ ሳሊኒ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶም ዘሎ ህንፀት ፕሮጀክትታት ኣጠናኺሩ ንክልቕፅል ምትሕስሳቦም ኣብሪሆም።

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.