ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ ንግሆ ኣብ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ 2ይ ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣፍሪካ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘለዋ ዘይኮነትስ መፍትሒ ኣህጉር ምዃና ኣፅንኦት ተዋሂብዎ፡፡
ከም ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ሓለዋ ክሊማን ዝተመቻቸወ ሕርሻን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ከም ኣብነት ብምልዓል ስራሕቲ ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ሓገዝ ክሊማ ናብ ኢንቨስትመንት ለውጢ ክሊማ ምግባር ከምዝግባእ “Climate Innovation Compact” ዝተብሃለ ኣብ2023 1ሺሕ መሪሕ ኣፍሪካ መፍትሒታት ዝተረኸበሉ ምኽረ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡፡
ኣፍሪካ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ ብ ውሕስና ምግብን ሓለዋ ስነ ምህዳን ናይ ምምራሕ ዓቕማ ብምፅናዕ ኣረዲኦም፡፡
ብተዋሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ 2027 ጉባኤ ኮፕ32 ንምትእንጋድ ዘለዋ ሕቶ ኣቕሪቦም።
እዚ ድማ ሃገርናን ኣህጉርናን ኣብ ምክልኻል ክሊማ ሓለዋ ተግባር ኣብ ግደ መሪሕነት ዘቕምጣ ይኾን።
#PMOEthiopia