Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል ዒድ ኣል ፈጥር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝቶ ከምዚ ዝስዕብ ክቐርብ ኢዩ፡-

እንኳዕ ንበዓል ዒድ ኣል ፈጥር ኣብፀሐና፣ ኣብፀሐኩም!

ብህዝበ ሙስሊም ዒድ ኣል ፈጥር ናይ በረከት በዓል ተገይሩ ይእመን። ሮመዳን እውን ናይ ኣላህ (ሱወ) ልግሲ ዝግለፀሉ፣ ክቡር ህያባት ንደቂ ሰባት ዝተውሃበሉ ወርሒ ኢዩ። ቁርዓን ናብ ምድሪ ዝወረደሉ፣ ገሃነም ተዓፅዩ በሪታት ገነት ዝኽፈቱሉ፣ ኩሉ ከም እምነቱ ፅንዓትን ከም ሕዝነት ኣላህ (ሱወ) ምናዳታት ዝረኽበሉ እዋን ስለዝኾነ ህዝበ ሙስሊም ኩሉ ግዘ ምምፃእ ሮመዳንን ዒድ ዓል ፈጥርን ብሃንቀውታ ይፅበ።

ኣብ ዒድ አል ፈጥር ካብ ፈጣሪ በረከት ዝልገሶም ወርሒ ሮመዳን ብፆምን ብዱዓን ዘሕለፉ ኢዮም፤ ብብምፃእ እቲ በዓል ዝሕጎሱ እውን ሮመዳን ብሰናይ ተግባር ንምሕላፍ ዝበርትዑ ኢዮም። ኣብ ዝተቐደሰ ወርሒ ካብ ክፍኣት ዝተቖጠቡ፤ ንድኻታትን ዓቅመ-ደካሞማታትን ዘካ ዝሃቡ፤ ንበደሉዎም ይቕረ ንምባል ዝደፈሩ ብሓጎስን ብመንሳዊ ሓይሊን ተመሊኦም ንዒድ ይበፅሑ። ብተፃራሪ ንዱዓ ዝሰነፉን ንመሃብ ዝሃረፉን ካብ ፈጣሪ በረከት ኣይረኽቡን።

ቀፃሊ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ መረፃ ሃገርና ዓወት ዴሞክራሲ እትጎናፀፈሉ፣ ናብ ቀፃሊ ብሩህ ዘበና እትሰጋገረሉ በሪ ኢዩ። ከም ሃገር ንዓመታት ዴሞክራሲ እናናፈቕና ነይርና ኢና። ጉዕዞና ጥጡሕ ሜዳ ኣይነበረን። ነገር ግን ድሕሪ ፈተና በረከት፣ ድሕሪ ምብርታዕ ሓጎስ ከምዘሎ ካብ ፆም ሮመዳንን በዓል ዒድ ኣል ፈጥርን ንመሃር።

ከምቲ ፅቡቕ ዝዘርአ ሰብ ፅቡቕ ምህርቲ ዝዓፅድ፤ እሾኽ ዝዘርአ እውን ኣሜኬላ የዓፅድ። ስለዝተመነና ጥራሕ እቲ ኣሜኬላ ናብ ፅቡቕ ምህርቲ ኣይልወጥን።

ኣብ መንፈሳዊ ይኹን ዓለማዊ ጉዳያት ዘርኢን ፍርያትን ዝተኣሳሰሩ ኢዮም። ብዛዕባ ዴሞክራሲ እንትንሓስብ እዚ ሓቂ ክንርስዕ የብልናን። እንሃንፆ ሕጋዊን ህዝባዊን መንግስቲ ዝውሰን ኣብ ቅድመ መረፃ ብእንገብሮ ተሳትፎ ኢዩ።

ረመዳን ቤተሰብ ዝራኸበሉ፣ ህሊና ዝጥርነፈሉ፣ ሰብነት ዝግረሐሉን መንፈስ ዝቐንዐሉም ወርሒ ኢዩ። ዒድ ኣል ፈጥር ድማ ወዲ ሰብ ጥዑይ ርክባት ዘመልክተሉ በዓል ኢዩ። ወዲ ሰብ ምስ ፈጣሪኡ፣ ምስ ባዕሉን ምስ ወገኑን ዝህልዎ ርክብ ጥዑይ እንተዘይኮይኑ ሓፈሻዊ ህይወቱ ጥዑይ ኣይኸውንን። ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ሰባት ምስ ባዕሎም የራኽቡ፤ ሰላትን ዱዓን ምስ ፈጣሪኦም የራኽቦም፤ ኢፍጣርን ዘካትን ድማ ምስ ማሕበረሰቡ የራኽቦም። ኢትዮጵያውያን ጥዑይ ህይወት ምምራሕ ንኽንክእል እዞም ሰለስተ ዕዑያት ክንገብር ኣለና።

ሰብ ምስ ፈጣሪኡን ምስ ባዕሉን ዘሎ ርክብ ጥዑይ እንተዘይኮይኑ ንማሕበረሰብ እውን ንሃገር እውን ጠንቂ ኢዩ። ሰብ ምስ ርእሱ እናተጋጨወ እንተነይሩ ምስ ኩሉ ይጋጮ። ሎሚ ኲናት ባህሊ፣ ዘረፋ ልምዲ፣ ጥፍኣት ክብሪ፣ ዕንወት ክብሪ ገይሮም ዝነብሩ ሰባት ቀዳማይ ፀገሞም ምስ ፈጣሪኦምን ምስ ባዕሎምን ዘይምስምዕመዖም ኢዩ። ውሽጣዊ ባህሪኡ ዘይተስማዕምሉ ሰብ ምስ ማንም ኣይስማዕማዕ። ዕርቂ፣ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ምርድዳእን ምስምዕማዕን ዝበሃሉ ነገራት ኣይኣትዉን።

ሰብ ምስ ፈጣሪኡን ምስ ባዕሉን እንተተስማዕሚዑ፣ ምስ ማንም ክስማዕማዕ ይኽእል ኢዩ። ምስ እንስሳት እንተይተረፈ። ዋና መሰረት እስልምና ሰላም ዝኾነ እውን ነዚ ኢዩ። ሰላም ማለት ምስ ባዕልኻን ከባቢን ብጥዑይ ርክብ ንምንባር ምኽኣል ኢዩ እሞ።

ናይዚ ዓመት በዓል ዒድ በዓል እንትነኽብር ኣብ ዓለምና ብዛዕባ ሰላም ክንዲ ዝንገር ዝኣክል ህዝቢ ዓለም ንምንታይ ብሰላም ክነብር ኣይከኣለን ኢልና ንሕተት? እምኒ ጎንፂን ኲናትን እናደጋገመ ንምንታይ ይወቕዐና? ካብ ሓዛኒ ንላዕሊ ንቀታሊ ከም ጅግና ዝርኢ ልምምድና ንምንታይ ዝገነነ ኮይኑ? ወዲ ሰብ ካብ ጎንፂን ኲናትን ዘትረፎ ድኽነትን ድሕረትን ከምዝኾነ እናረአየ ንምንታይ ኣይተምሃረን? ሰልጢኑ ኣብ እንብሎ ዓለም ዝነብሩ ወገናትና ብኸመይ ጎንፂን ኲናትን ዘበረታትዑ ኮኑ? እዚ ትውልዲ እዞም ሕቶታት ብዝግባእ ኣስተንቲኑ ምላሽ ክረኽበሎም ይግባእ።

ምስ ርእሶም ሰላም ዝሰኣኑ ኣካላት ሰላም ማሕበረሰብ ንኽርብሹ ክንፈቕደሎም ኣይግባእን። ምስ ክብሪታት ረመዳን ዝተፃልኡ ሰባት ዘበንና ክርብሹ ክንፈቕደሎም ኣይግባእን።

ምስ ሰለስተ ኣካላት ዝተዓረቑ ሰባት ብርቱዓት ኢዮም ይበሃል፤ ምስ ርእሶም፣ ምስ ማሕበረሰቦምን ምስ ፈጣሪኦምን። ከም ኢትዮጵያዊ ንሕና እውን ርእስና ንግዛእ፣ ፈጣሪ ንፈርሕን ንሰላምን ዕቤትን ማሕበረሰብ እንጭነቕ ክንከውን ኣለና። ኢትዮጵያ ክትዓቢን ክትምዕብልን እትኽእል ብዜጋታት እምበር ብኻሊእ ኣይኮነን። ዜጋታታ እንትህነፁ ትህነፅ፤ ዜጋታት ሰላም እንትኾኑ ሰላም ትኸውን፤ ዜጋታታ እንትስማዕምዑ ጉዕዞ ምዕባለኣ ይሰምር። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ንኽትምዕብል ዘድልየና መስዋእትነት ኩሉ ናይ ምኽፋል ሓላፍነት ናትና ኢዩ።

እዚ በዓል ዒድ ኣል ፈጥር እዞም ሰናይ ክብሪታት እናሓሰሰና፣ ሰለስቲኦም ጥዑያት መስመራት እናፅናዕና ክነኽብሮ ሓደራ ይብል።

ደጊመ ርሑስ በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ይኹን!

ዒድ ሙባረክ!

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኸ!

መጋቢት ፣ 2018 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.