Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሮም ብቀዳመይቲ ሚኒስትር ጂኦርጂያ ሜሎኒ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ

‹‹ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጣሊያንን ነዊሕ ዘበን ዝገበረ ምትእስሳር ንምጥንኻር ናብ ሮም ብምኻድ ብቀዳመይቲ ሚኒስትር ጂኦርጂያ ሜሎኒ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ምትግባር ዝርከብ ኣፈፃፅማ ምትሕብባር ብምግምጋም ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ከምኡ እውን ሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር ብዝሐሸ መጠን ኢንቬስትመንት ንምውጋን ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ሓላፍነት ካብ ዝመፅኡሉ ግዘ ጀሚሩ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ጣሊያን ክልተኣዊ ምትሕብባራት ንምጥንኻር ሰሪሖም ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሜሎኒ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ናብ ሓላፍነት ምስ መፅኣ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ሮም ብምኻ ኣብ ሰላምን ፀፅታን ምብራቕ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ መዳይ ልምዓት ጣልያን ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም ነይሮም።

ድሕሪ እቲ ዘተ እቶም መራሕቲ ጥንኩር ርክብ ስራሕ ዝመስረቱ እንትኾኑ÷ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጂኦርጂያ ኣብ 2016 ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ገይረን። ቀፃ ዘተኦም ድማ ኣብ ጣሊያን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝተኻየዱ በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻት ተኻይዱ።

ጣሊያን ወሳኒት መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ ኢያ። ኣብ ኢንደስትሪ ኢሉ እውን ኣብ ከም ጥዕኛ፣ ሕርሻን ሓለዋ ባህላዊ ሓድጊን ናይ ነዊሕ ዘበን ሓጋዚት ኢያ። ኩባንያታት ጣሊያንን ትካል ምትሕብባር ልምዓት ጣሊያንን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብንቕሓት እናደገፉ ይርከቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኦም ንዘላቒ ልምዓትን ዝተመሓየሸ ኢንቬስትመንትን ዘለዎም ሓበራዊ ራኢ ኣረጋጊፆም።››

#PMOEthiopia

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.