ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪፐብሊክ ሳይፕረስ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪፐብሊክ ሳይፕረስ ኮንስታንቲኖስ ኮምቦስ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዝነበረና ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለስና ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪፐብሊክ ሳይፕረስ ኮንስታንቲኖስ ኮምቦስን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ቤት ፅሕፈትና ተቐቢልና ኢሎም።
ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማቲክ ርክበን ንምጥንኻር ኢሉ እውን ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምትሕብባራት ንምጉልባት ጥንኩር ድሌት ኣለወን ክብሉ እውን ገሊፆም።
ብምዃኑ ድማ እዞም ሓበራዊ ዕላማታት ንምስጓም ዝጠቕሙና ሰፊሕ ኣድማስ ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ተዛቲና ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!