ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ጉዳያት ኮመንዌልዝን ልምዓትን ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ጉዳያት ኮመንዌልዝን ልምዓትን ይቬት ኩፐርን ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ “ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ጉዳያት ኮመንዌልዝን ልምዓትን ክብርቲ ይቬት ኩፐር ረኺበ ኣብ ቁልፊ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ተዛቲና” ኢሎም።
ጎድና ጎድኒ ዘተና ኣብ ዝተኻየደ ማዕቐፍ ኣማኸርቲ ኢንቨስትመንት መርሃ ግብሪ ሰነድ ስምምዕነት ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ቴክኒካል ምሕደራ ሃፍቲን ስምምዓት ሓበራዊ ልምዓትን ከምዝተረኸቡ እውን ገሊፆም።
እቶም ስምምዓት ፕሮጀክት መመሓላለፊ ሓይሊ ሁርሶ-ኣይሻ 400 ኪሎ ቮልትን ደገሃቡር-ቀብሪደሃር 132 ኪሎ ቮልትን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ምትሕብባር ብምጥንኻርን ስትራቴጂያዊ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምስፍሕፋሕን ልዑል ስጉምቲ ዘርእዩ ስምምዓት ኢዮም ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!