Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ልኡል ፋይሰል ቢን ፋርሃን ኣል ሳዑድ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ሎሚ መዓልቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ልኡል ፋይሰል ቢን ፋርሃን ኣል ሳዑድ ተቐቢለ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ጉዳያትን ዕዉት ልዝብ ኣካይድና ኢሎም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዓበይቲ ዓውዲታት ንነዋሕቲ ዘበናት ንዝዘቐ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ምስፋሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብትኹረት ዘቲዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሓራዊ ድሌት ክልቲአን ሃገራት ዝኾኑ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ዘሎ ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዘድሀበ ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣመልኪቶም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.