Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ሼኽ ሞሃሙድ ቢን ራሺድ ኣል መክቱም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣአበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ገዛኢ ዱባይ፣ ምክትል ፕሬዚዳንትን ቀዳማይ ሚኒስትርን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ሼኽ ሞሃሙድ ቢን ራሺድ ኣል መክቱም ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ንሼኽ ሞሃሙድ ቢን ራሺድ ኣል መክቱም ረኺበ ዕዉት ዘተ ኣካይድና ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራትን ህዝቢታትን ብዛዕባ ዘሎ ጥንኩር ምትእስሳር ቢዝነስ፣ ትምህርቲን ባህሊን ተዘራሪብና እውን ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ጥንክርቲ፣ ውቅብቲን ፅንዕቲም ምስ ዝኾት ከተማ ዱባይ ዘለና ምትእስሳር ኣብ ቀፀልቲ ዑደታት እውን ክጠናኸር ኢዩ ክብሉ ኣመልኪቶም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.