Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ብራዚል ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናቺዮ ሉላ ደ ሲልቫ ዘቲዮም

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቅድሚ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ ምስ ፕሬዚዳንት ሉዊዝ ኢናቺዮ ሉላ ደ ሲልቫ ዘቲና ኢሎም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ክልቲኣዊን ኩለ መዳይ ዛዕባታትን ምዝታዮም ተዛሪቦም።

ናይ ሎሚ ዘተ ኣብ ቀረባ ዝምዕብል ዘሎ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ኣብ ምጥንኻር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝወሰደ ኮይኑ ኣሎ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማሚዖም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.