Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቬይትናምን ምስ ፕሬዚዳንት ብሄራዊ ቤት ምኽሪን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቬይትናም ጄነራል ሉዎንግ ኩዎንግን ምስ ፕሬዚዳንት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ትራን ታንህ ማንን ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሶሻሊስት ሪፐብሊክ ቬይትናም ዝገብሩዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናቐፀለ ይርከብ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ቬይትናም ጄነራል ሉዎንግ ኩዎንግን ምስ ፕሬዚዳንት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ትራን ታንህ ማን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ብዛዕባ ቀፃልነት ሃገረ መንግስቲ፣ ምትሕብባር ፖለቲካ፣ ፃዕርታት ለውጢን ካልኦት ጉዳያትን ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡

ብብዙሓ ዓውዲታት ክልተኣዊ ምትእስሳራትን ምትሕብባራትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ተላዒሎም ዘተ ከምዝተገበረሎም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.