ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ሽመት ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ኣናዊሖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 1 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ሽመት ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ኣናዊሖም፡፡
ብሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 62(9)ን ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዓንቀፅ 14 ንኡስ ዓንቀፅ 2(ለ) መሰረት ንመካተቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርእሰ ምምሕዳርነት ክመርሑ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት መካተቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ብዝፀደቐ ደንቢ ቁፅሪ 479/2013 ዓንቀፅ 4(2)ን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ እቲ ዓመት ብዘቕረቡዎን መሰረት ብምግባር ኢዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ካብ 1 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ሽመት ፕሬዚዳንት ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ኣናዊሖም ዘለዉ፡፡