Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ኣዘርባጃን ዝገበሩዎ ዑደት ምትሕብባር እተን ሃገራት ዘጠናኽር ኢዩ – ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ኣዘርባጃን ዝገበሩዎ ዑደት ምትሕብባር እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር ኢዩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡

ኣብ ኣዘርባጃን ዕላዊ ዑደት እናገበሩ ዝርከቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ልኡኾምን ኣብ ኣገልግሎታት ህዝቢን ኣብ ማእኸላት ኤጄንሲ ማሕበራዊ ፈጠራ መንግስቲን እታ ሃገር ተዓዚቦም፡፡

እቲ ዑደት ኣዘርባጃን ብኣርቴፊሻል ኢንተለጄንስ ዝምራሕ ምሕደራ ንምስፍሕፋሕን ናይ ህዝቢ ኣገልግሎታት ብዲጂታል ንምዝማን እትኽተሎ ስትራቴጂያዊ ኣካይዳ ዘርኢ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዋና ማእኸል ስልጠና ኣመራርሓ ኣርቴፊሻል ኢንተለጄንስን ኢንጂነሪንግን እታ ሃገር ዝኾነ ኣካዳሚ ኣርቴፊሻል ኢንተለጄንስ ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም።

እቲ ‎ኡኹኽ ዑደቱ ብምቕፃል ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ማእኸላት መቀነባበሪ ነዳዲን ጋዝን ሓደ ዝኾነ ናፃ ዞባ ኢኮኖሚ ሳንጋቻል ተርሚናልን ኣላትን ከምዝተዓዘበ እውን ተገሊፁ፡፡

እዞም ዑደታት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንግዲ፣ ኢነርጂን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ብዝበለፀ ናይ ምጥንኻር ዓቕሚ ከምዘለዎም ተገሊፁ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.