Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ኣዘርባጃን ዝገበሩዎ ዑደትን ሓደሽቲ ምሕዝነታትን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ኣዘርባጃን ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ምትሕብባራትን ምሕዝነታትን ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ሚኒስትር፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ን ጉጅለ ልኡኾምን ዝገበሩዎ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኢትዮጵያ ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ካብ ትገብሮ ርክብ ብተወሳኺ ምስ ካልኦት ሃገራት ሓደሽቲ ምትሕብባራት ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ብዘለዋ ዞባዊን ኣህጉራዊን ፅዕንቶ ብዙሓት ሃገራት ምስ ኣፍሪካ ንዝገብሩዎ ርክብ ዝመርፃኣ ሃገር ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ብማዕቐፍ መመሓየሺ ኢኮኖሚ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ስሕበት ኢንቨስትመንት እናወሰኸ ከምዝመፅአ ኣልዒሎም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣዘርባጃን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምስታፍ ብዘለዋ ድሌት ንኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ሕርያኣ ከምዝገበረት ኣብሪሆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ኣዘርባጃን ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ቅድሚያ ትህቦም ጉዳያት ኣየንአን ከምዝኾና ዘመላኽት ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.