Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዞባታት ሃላባን ከምባታን ዝተሃነፁ ሞዴል መንደራት ገፀር ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብመርሃ ግብሪ ክረምታዊ ወለንታ ኣብ ዞባታት ሃላባን ከምባታን ዝተሃነፁ ሞዴል መንደራት ገፀር ኣረኪቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማዘበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እቶመ መንደራት ህይወት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ንምምሕያሽ እንገብሮ ፃዕሪ ተስፋ ዝህብ ጅማሮ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቶም ኣባይቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ዝተገጠመሎም፣ ንምብሳል ድማ ካብ እንስሳት ባዮጋዝ ዝጥቀሙ፣ ዝተፈለየ ሳሎን፣ መናፅሂን ሰርቪስ ገዛውቲን ዝተማለአሎም ከምዝኾኑ እውን ሓቢረን።

ንፅህና ብዘረጋግፅን ብርኪ ናብራ ክብ ብዝገብር መልክዑ ዝተፈለየ ደምበ እንስሳት ተሰሪሑሎም ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እዞም ናይ ገፀር መንደራት ልምዓት ኮሪደር ናብራ ገፀር ናይ ምዕባይ ሕልምና ሓደ ኣካል ብምዃን ተስፋሕፊሖምን ዝተሰርሑ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ክረምታዊ ወለንታ ኣብ ከተማታት ንዝነብሩ ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት መንበሪ ገዛ እናቕረብና ፀኒሕና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ሕዚ ድማ ኣብ ልምዓት ኮሪደር ገፀር እቲ ስራሕ ናብ ገፀር ኣስፋሕፊና ኢና ክብሉ ኣብሪሆም።

ውልቀሰባት፣ ትካላትን ማሕበረሰብ ዲያስፖራን እዞም ስራሕቲ ንኽድግፉን ክሳተፉን የበረታትዕ ክብሉ እውን ወሲኾም።

ኣብ ዝሓለፈ ዑደተይ ዘቕረብኩሎም ገዛ ዕዮ ብምውፃእ ኣብ ሓፂር እዋን ብርእሰ ዓቕሚ ደረጃ ጎቦ ሃምበሪቾ እውን ብዕፅፊ ሰሪሖም ንዝዛዘሙ ኣመራርሓ ዘለኒ ምስጋና የቕርብ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።

ኣብ ቀጻሊ እውን ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ብዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሰርሑ ሞዴል መንደራት ኣብ ዝቕፅል ዓመት በቢዞባኡ ናብ 100 ገዛውቲ ንኸዕብዩ ኣተሓሳሲበ ኢሎም።

Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.