ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዞባ ጋሞ ብሃደጋ ምግህማስ መሬት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሓዘን÷ ኣብ ዞባ ጋሞ ወረዳ ጋጮ ባባን ካልኦት ወረዳታትን ብምኽንያት ዝናብ ፅድያ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወቶም ንዝሓለፉ ዜጋታት ዝተሰመዐኒ ሓዘን ይገልፅ ኢሎም።
መንግስቲ ንተጎዳእቲ ወገናት ኣድላዪ ሓገዝ ምግባር ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡
እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ግቡእ ስራሕቲ መፅናዕቲ ክውገን ኣለዎ ዘበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ተግባራት ጥንቃቐ ኣድለይቲ ኢዮም ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!