ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ጀሚርና ዘይከንበትናዮ ፕሮጀክት የለን ኢሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጀሚርና ዘይከንበትናዮ ፕሮጀክት የለን ኢሎም።
ምዕባለ ኢትዮጵያን መሰረት ክሳብ ዝሕዝ ፃዕሪን ውፅኢትን ክቕፅል ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ምንቅስቓስ ስራሕን ኣንፈትን መንግስቲ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት፥ እንተይፀዓርናን እንተይደኸምናን ኣብ ዝደለናዮ ምብፃሕ ከምዘይከኣልን ውፅኢት ከምፅእ ከምዘየኽእልን ንግንዘብ ኢና ኢሎም።
ብዝተለመደ ኣሰራርሓ መራሕቲ ካብ ቢሮ ስለዘይወፅኡን ነቲ ጉዳይ ብዓይኖም ስለ ዘይርእዩን ብዙሓት ናይ ሓሶት ፀብፃባት ከምዝቐርቡ ተዛሪቦም።
ብኣንፃሩ ድማ ስራሕ እናረኣዩ ዝመርሑ ቁርፀኛታት ኣመራርሓ ኣብ ዘለሉ ከባቢ ተግባራት ብስሉጥ ከምዝዕመሙ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ናብ መሬት ወሪድና ስራሕቲ ብኣካል እናተኸታተልና እንትንሰርሕ ብዙሓት ትምህርቲ ይርከብ፤ ኣድካሚ እንተኾነ እውን ንሰባት ሓይሊ ዝህብ ክትትል የድሊ ኢዩ ኢሎም።
በዚ መገዲ ጀሚርና፣ ሓሲብና ዘይከንበትናዮ ፕሮጀክት የለን ኢሎም።
ብዮናስ ጌትነት
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana